ብዛዕባና
ደቂ ኣንስትዮ ንደቂ ኣንስትዮ ይሕግዛ ሙ.ማ. Frankfurt ንዘቤታዊ ዓመጽ ዝተቓልዑ ደቂ ኣንስትዮን ደቀንን ዝድግፍ እዩ። እታ ማሕበር ነቶም ዝተጎድኡ ሰባት ሓለዋ፣ መጽለልን ስነ–ኣእምሮኣዊ ማሕበራዊን ምኽርን እያ ትህብ። ደቂ ኣንስትዮ ንደቂ ኣንስትዮ ይሕግዛ ሙ.ማ. Frankfurt ንመኽሰብ ዘይሰርሕ ትካል ኮይና፣ ኣብ 1976 ዓ. ም. ተመስሪቱ።
ማሕበርና ካብ ፖለቲካዊ ውድባትን እምነታውያንን ነጻ ኮይና ትሰርሕን፣ ኣንስታዊን ጸረ ዓሌታውነትን ርእሰ–ምስሊ ዘለዎን ብዓመጽ ንዝተሃስያ ደቂ ኣንስትዮን ደቀንን ወኪላ ትሰርሕን እያ።
ዕላማታት
ናይቲ ማሕበር
- ንዝተበደላ ደቂ ኣንስትዮን ደቀንን ኣብ መዕቆቢ ደቂ ኣንስትዮ ግዝያዊ መንበሪ ትህብ፣
- ከምኡውን ካብ መዕቆቢ ደቂ ኣንስትዮ ወጻኢ ንዝግበሩ ዓመጽቲ ኩነታተን ክቕይራ ንዝደልያ ደቂ ኣንስትዮ ምኽሪ ትህብ እያ፣
- ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ንዝፍጸም ዘቤታዊ ዓመጽ ዝምልከት ኣርእስቲ ትምህርታዊ ስራሕ ርክብ ህዝቢ ብንጥፈት እያ ትዋሳእ
ናይ ምምኻር ቦታታት
ወፈያና
ውልቃዊ ኩነታትክን ንምንጻርን ኣብ ዝተፈላለዩ ኣርእስታትን ኩለመዳያዊ ሓበሬታን ንምንጻር ነጻ ምኽርታት ኢና ንህበክን፣ ገለ ካብኦም…:
- ኣብ ጉዳያት ዘቤታዊ ዓመጽ ዝምልከት ናይ ምጽራይን ደገፍን ምዝታይ
- ዘይርጉጽነትን ናይ ክልተኣዊ ምትእስሳርን ምጽራይ
- ድሕሪ ምፍልላይ መነባብሮኻ ንምውሓስ ምኽርን ሓበሬታን ኣብ
ሕጊ ምክልኻል ኣንጻር ዓመጽ፣ ንኣብነት ምምቕራሕ ናይቲ ገዛ ወይድማ ነቲ ዓመጽ ዝፍጽም መጻምድቲ ናይ ርኽክብ እገዳ።
- ብዛዕባ መሰልክንን ሕጋዊ ኣገባብን፣ ብዛዕባ ኣለያይ ምሃብን፣ ሕጊ ኢሚግሬሽንን ከምኡውን ሕጊ ገበንን ከይተረፈ ሓቤረታ ክንህበክን ኢና።
- ብዛዕባ ሳዕቤናት ናይ ዘቤታዊ ዓመጽ ኣብ ደቅኻ ምዝራብ ምግባር
ብስልኪ ቁጽሪ 069 219 3614 05 ውልቃዊ ወይድማ ብተሌፎን ምኽሪ ክትረኻባ ቆጸራ ንክትገብራ ድሉዋት ኢና።
ዉዕዉዕ ስግኣት
ዉዕዉዕ ዝኾነ ስግኣት ኣብ ዝተፈጠረሉሉ እዋን፣ ናብ ፖሊስ ብናይ 110 ደውላን ወይድማ ንጎረባብትኽን ርድኡኒ በላን።
ርድ ኡኒ ኢልክን ደውላ.
ፖሊስ ኣብኡ ምስ መጹ ድማ፣ ነቶም ፖሊስ በይንኽን ንክተዛራርበኦም መሰል ኣለክን።
- ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመክን ዓመጽ ብንጹር መግለጺ ሃባ።
- መግለጺኽን ንሰብኣይክን ዘይኮነስ ንነብስኽንን ንደቅኽንን ንምክልኻል ኢልክን ተጠቐማሉ።
- ብተወሳኺ ንፖሊስ ብዛዕባ ሕሉፍ ተመኩሮታት ዓመጽን፣ ከምኡውን ተወሰኽቲ ዓመጻት ከይፍጸመክን ዘለክን ስግኣትን ንገረኦም ኢኽን።
- እንተተኻኢሉውን፣ ናይ መሰኻኽር ኣስማት ንገረኦም ኢኽን።
ፖሊስ ነቲ ዓመጽ ዝፈጸመ ሰብኣይ ካብቲ ናይ ሓባር መንብሪ ገዛ ክሳብ 14 መዓልታት ናይ ምስጓግ ኣማራጺ ኣለዎም።
ፖሊስ ናብ መሓዛኽን ወይድማ ናብ መዕቆቢ ደቂ ኣንስትዮ ክወስዱኽን እውን ክትሓተኦም ትኽእላ ኢኽን። ደቅኽን ክኣ ምሳኽን ውሰደኦም።
እንተድኣ ዝቖሰልክን ኰንክን ድማ፣ ሓኪምክን ናይ መጉዳእትኽን ዘረጋግጽ ምስክር ወረቐት (ክፍሊት ዝኽፈሎ) ከም ዝህበክን ግበራ።
ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ዓመጽ ሓፈሻዊ ብሕጊ ዘቕጽዕ እዩ።
ብዛዕባ ገበናዊ ጥርዓን ናይ ምቕራብ ተኽእሎታትን፣ ኣገባብ ኣከያዳ ፖሊስን ከምኡውን መስርሕ ኣብ ቤት ፍርድን፣ ኣብ ናትና ክፍሊ ምምኻር ሓቤረታ ክትረኽባ ትኽእላ ኢኽን።
ኣገደስቲ ቁጽርታት ህጹጽ እዋን፡
110 ፖሊስ
112 ንናይ ረዲኤት ሓኪም/መጥፋእቲ ሓዊን
112 ንናይ ረዲኤት ፋክስ ምስማዕን ምዝራብን ጸገም ዘለዎም ሰባት
መዕቆቢ ደቂ ኣንስትዮ
ኣብ መዕቆቢ ደቂ ኣንስትዮ ምቕባል
ኣብ ዕርክነታዊ ዝምድና ዝኾነ ምንባር ከሎኹን ብናይ ዓመጽ ፍጻሜ ትሳቐያ እንተኰንክን ናብ መዕቆቢ ደቂ ኣንስትዮ ክትኣትዋ ትኽእላ ኢኽን። እቲ ናይ ደቂ ኣንስትዮ መዕቆቢ እውን ኩሉግዜ ክፉት እዩ፣ ወላ ንስኽን ካብ መጻምድትኽን ክትፍለያ ትደልያን ዲኽንን፣ ወይውን ዘይትደልያን ዲኽንን ርግጸኛ እንተዘይኰንክን እውን። ኣብቲ መዕቆቢ ደቂ ኣንስትዮ፣ ግዜ ወሲድክን ቀጺልካ እንታይ ክትገብራ ከም ዘለክን ንክትሓስብ ትኽእላ ኢኽን። ባህላዊ ድሕረ ባይታኽን ብዘየገድስ ምስ ደቅኽን ይኹን ወይውን ብዘይ ደቅኽን ኣብቲ መዕቆቢ ደቂ ኣንስትዮ ክትኣትዋ ትኽእላ ኢኽን። እቶን ኣባላት ሰራሕተኛታት ነቲ ሓድሽ ኩነታት ንምጽዋር ኣብ ኩሉ ዘድሊ ስጉምትታት ንዓኽንን ንደቅኽንን ክድግፉኽን እዮን።
ናብቲ መዕቆቢ ደቂ ኣንስትዮ ንምእታው ቀሊል እዩን፣ ሓያሎ ኣማራጺታት እውን ኣለዉ።
- ብኣካል ደዊልክን ነጻ ቦታ እንተሎ ክትሓታ ትኽእላ።.
- ፈተውኽን፣ ኣዝማድክን ወይውን ፈለጥኽን ዝኾኑ ኣብ ክንዳኽን ክድውሉልክን ይኽእሉ እዮም።
- ኣብ ህጹጽ ዝኾነ ኩነታትን፣ ለይትን ኣብ ቀዳመ ሰናብትን እውን ክትመጻና ትኽእላ ኢኽን። ብክብረትን ንፖሊስ እውን ተወከሳ ኢኽን።.
እንታይ እዩ ብዝተኻእለ መጠን ሒዝክንኦ ክትመጽኣ ዘለክን:
- መለለዪ መንነት/ፓስፖርት (ንህጻናት እውን)
- ሰነዳት ስራሕ፣ ውዕል ስራሕ፣ ፍቓድ ንምስራሕ
- ናይ ጥዕና ውሕስነት ትካል ካርድ (ንህጻናት እውን)
- ማሕበራዊ ውሕስነት ካርድ
- ናይ ሞያዊ ውዕለት ክፍሊት ምስክር/ናይ ደሞዝ ምስክር ወረቐት (ናይ ሰብኣይክን እውን)
- ናይ መርዓ ምስክር ወረቐት /መዝገብ ስድራቤት
- ናይ ልደትክን ምስክር ወረቐት
- ናይ ገንዘብ/ሕሳብ መግለጺታት/መጽሓፍቲ ቁጠባ
- ናይ ክታበት ፓስፖርትታት
- ናይ ዝተፈቐደልክን ሓባሪ፣ ናይ ስራሕ ኤጀንሲ፣ ናይ ንቆልዑት ደገፍ ገንዘብ፣ ናይ ቆልዑ ምዕባይ ገንዘብ፣ ጡረታ ወዘተ.
- ካልኦት ኣገደስቲ ወረቓቕቲን፣ ውዕል ክራይ ገዛን፣ ሰነዳት ትካል ውሕስነትን፡ ምስክር ወረቐታት
- ኣገዳሲ መድሃኒታት
- መፍትሕ መንበሪ ገዛን
ንቆልዑትክን:
- ዝፈትውዎም መጻወቲታትን፣ ስራሓት ጨርቂ ሓቑፍካ መጻወቲ
- ኣቑሑት መምሃሪን ምስክር ወረቐትን
ምንባር ኣብ ናይ መዕቆቢ ደቂ ኣንስትዮ
ናይ ገዛኽን ኣነባብራ ባዕልኽን ኢኽን ትመርሐኦን ንደቅኽን ትከናኸንኦምን። ንዓኻንን ካልኦት ነበርትን ካብ ተወሳኺ ዓመጽ ንምክልኻል ብምባል፣ ኣድራሻ ናይቲ መዕቆቢ ደቂ ኣንስትዮ ምስጢራዊ ስለዝኾነ ናብ ናይ ቀረባ ፈተውትኽንን ቤተሰብክንን ፈጺምካ ክንገሮም የብሉን። ካብዚ ምኽንያት ዝተበገሰ እዩ ድማ ናብ መዕቆቢ ደቂ ኣንስትዮ ንምብጻሕ ዘይከኣል።
ቆልዑት ኣብ መዕቆቢ ደቂ ኣንስትዮ
እቶም ቆልዑት ቀልጢፎም ኣዕሩኻት ዝላለዩሞ፣ ኣብ ገዛ ዓመጽ ዘጋጠሞም ንሳቶም ጥራይ ከምዘይኮኑ ዝመሃሩ። ኣብቲ ናይ ደቂ ኣንስትዮ መዕቆቢ ዓቢይ ዝኾነ ናይ ህጻናት ክፍሊ፣ ኣብቲ ውሑስ ዝኾነ ውሽጣዊ ጎልጎል ድማ መጻወቲ ቦታ ኣሎዎ።
ነጻ ቦታታት መዕቆቢ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ጀርመን
መዕቆቢ ደቂ ኣንስትዮ ቦታ ትደልዩ ዶ ኣለኹም ኢኹም? ኣብ ጀርመን ብነጻ መዕቆቢ ደቂ ኣንስትዮ ኣብዚ ዝስዕብ ሊንክ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም: